ኣብ እንግሊዝ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኢድ ኣእታውነት ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዝተወሰና ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ኢድ ኣእታውነት ከምዝቃወሙ ኣብ እንግሊዝ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ገሊፆም፡፡
“ንዘብዒ ኢትዮጵያ ጠጠው ንበል” ብዝብል መሪሕ ቃል ግብረ ሓይሊ ዩናየትድ ኪንግደም ምስ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዉዎ ሰልፊ፥ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ሉኣላዊ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ክኽበር ይግባእ ክብሉ ድመፆም ኣስሚዖም፡፡
መተሓባበሪ እቲ ግብረ ሓይሊ ዘላለም ተሰማ፥ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ንቀርኒ ኣፍሪካ ይኹን ንሃገራት ምዕራብ ዝረብሕ ኣይኮነን ኢሎም፡፡
ሉኣላዊ ስልጣን ወናኒነት ኢትዮጵያ ክኽበር ከም ዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡
እቶም ሰልፈኛታት፥ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዕዉት ንኽኸውን ቦንድ ካብ ምግዛእ ብተወሳኺ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ስራሕቶም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም።
6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም እውን ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝፃወቱ ምግላፆም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ፀሪሑ ኣሚኮ ፀብፂቡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!