Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እንግሊዝ ኣብ 5 ደቒቕ ትመልእ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ባትሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እንግሊዝ ኣፍራዪ ባትሪ ኤሌክትሪክ መኪና ስታርት ኣፕ ዝኾነ ኒዮቦልት ኣብ ውሽጢ 5 ደቒቕ ትመልእ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ባትሪ ዕላዊ ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡

ቅልጡፍ ዝተብሃለ እቲ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ባትሪ÷ ኣብ ቀዳማይ ፈተነኡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ደቒቕ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ባትሪ ክመልእ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

እቲ ባትሪ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተመልአት ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ክሳብ 193 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ንኽትጓዓዝ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ፀገም መሰረተ ልምዓት ባትሪ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን ብበዝሒ ኣብ ረብሓ ከይውላ ምኽንያት ከመዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ኣእንግሊዝ ዕላዊ ዝኾነ እዚ ሓዱሽ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ባትሪ እቲ ፀገም ብልዑል ብርኪ ክፈትሕ ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ቅልጡፍ ዝተብሃለ ናይ መኪና ባትሪ ሱፐር ቻርጀር ቴስላ እንትኸውን፤ ካብ 15 ክሳብ 20 ደቒቕ ክመልእ ከምዝኽል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.