ኣብ እስራኤል ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያን ዘፋልጥ ዓውደ ምርኢት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እስራኤል ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ጉባኤን ዓውደ ምርኢት ቱሪዝምን ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያን ዘፋልጥ ዓውደ ምርኢት ቀሪቡ።
ኣብ እስራኤል በቢዓመቱ ዝካየድ ጉባኤን ዓውደ ምርኢትን ቱሪዝም፥ ኣብዚ ዓመት “ዓለም ለኸ ዕዳጋ ቱሪዝም ሜዲትራኒያን 2022” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡
ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት እስራኤል ሚር ኣይዛክ ሄርዞግ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም እስራኤል፣ ካብ ዘተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ተወከልቲ መንግስቲን ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላትን ሰብ ሞያን ምስታፎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፣ ኢትዮጵያ ምድረ ቀደምት ምዃና፣ ባህላዊ ሓድጊታት ኢትዮጵያ፣ ታሪኽ ሃፍቲን ሰሓቢ ብዝሃነታን ዘንፀባርቑ መደነቕቲ ቦታታትን ዘይድህሰሱ ሓድጊታትን ብምስሊን ገለፃንተ ቀሪቡ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።