Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኤክስፖ ሻንጋይ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ልምዲን ተመክሮን ረኺብና- ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤክስፖ ሻንጋይ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ልምዲን ተመክሮን ረኺብና ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

ኣብ ቻይና ከተማ ሻንጋይ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ኤክስፖ ሻንጋይ 2024 ዝተዓደማ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ኤክስፖ ብዘበናዊ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዝርገሐን ምውዳድን መሰረተ ልምዓት ሴክተር ጠመተ ዝደልዩ ስራሕቲ ከምዝኾኑ ምግንዛብ ከምዝተኽኣለ ሓቢረን።

ሰርዓት ስልጡን ከተማን ዝዘመነ ኣገልግሎት ቤት ማዘጋጃን ንዜጋታት ምቕራብን ብዘበናዊ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዝርገሐን ምውዳድን መሰረተ ልምዓት ኣብ ከተማን ሴክተር መሰረተ ልምዓትን ጠመተ ዝደልዩ ከምዝኾኑ ርእይና ኢለን።

ብኡ ልክዕ ክፍተት ከተማታት ብምልላይ ብዝበለፀ ንምዝማን ምስራሕ ከምዝግባእ ግንዛበ ከምዝተወሰደ ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.