ኣብ ኣፍሪካ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታት ብምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታት ብምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።
ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ልምዓትን ንኽቕፅል ዘኽእል ዞባዊ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ጎንፂን ስእነት ሰላምን ብፍላይ ኢኮኖሚ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝጎድእ ተመልኪቱ፡፡
“ኣብ ኣፍሪካ ዝስርሑ ፕሮጀክታት ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓታት ፍትሓዊ ተረባሕነት እንተዘየረጋጊፀን ክሳብ 2030 ተወሳኺ 100 ሚሊየን ስራሕ ዝሰኣኑ ዜጋታት ክፍጠሩ ኢዮም” ኢሉ፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብምዕዋት ዝማዕበለት ኣፍሪካን ጋህዲ ንምግባር ጎንፂን ድሕንነትን ምውጋድ ይግባእ፡፡
ልምዓት ዝተማለአ ዝኸውን ማሕበረሰብ ብፍትሓውነት ተረባሕቲ ምግባር እንትከኣል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ሰላም፣ ልምዓትን ሰብኣዊ መሰላትን ዘይነፃፀሉ ከምዝኾኑ ብምግላፅ÷ ኣብዞም ሰለስተ መሰረታዊ ጉዳያት ሓድነት ምፍጣር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶታት ህዝቢ ብሰላማዊ መገዲ ንምምላስን ኣብ መላ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምዕሳልን ብዕቱብ እናሰርሀ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቮልከር ተርክ ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ብዘይ ዘላቒ ሰብኣዊ መሰል ብዝድለ ብርኪ ሰብኣዊ መሰል ምርግጋፅ ከምዘይከኣል ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com