Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣድሂቡ ኣብ ናይሮቢ እናተዛተየ ዝፀንሐ ልኡኽ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣድሂቡ ኣብ ናይሮቢ እናተዛተየ ዝፀንሐ ልኡኽ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝርዝር ትልሚ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣድሂቡ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ እናተዛተየ ዝፀንሐ ልኡኽ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ፡፡

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ ኣብቲ እዋን÷ “ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ንሰላም ፃዕሪ እናገበርና ነይርና፤ እቲ ዘተ ሰላም እውን ፅቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ÷ “ኣብ ናይሮቢ፤ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ብወገንና ናብ ተግባር ዝእተወሉ መገዲ ተዛቲና” ክብሉ ገሊፆም።

“ንሰላምን ንህዝቢን ክንብል ዝተፈራረምናዮ ክንፍፅም ኢና፤ ንተግባራዊነቱ እውን ክንተግህ ኢና” ኢሎም።

ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ምስላጥ መሰረተ ልምዓትን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን፣ ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቂ ዝፈትሑሉ ዝርዝር ትልሚ ብምትኳር÷ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻልን ኣዛዚ ዕጡቓት ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ እናካየዱዎ ዝቀነዩ ዝርርብ ብስምምዕ ብክታም ምዝዛሞም ይፍለጥ።

በቅድስት ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.