Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣገልግሎት ዘፈር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን 44 ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንውልቀ ሰብ ሃፍቲ ተዳሊዩ – ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘፈር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንምውፋር ዘኽእል 44 ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ከምዝተዳለዉ ሚኒሰስትር ታርንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣፍሊጠን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ኣገልግሎት ፖሊሲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣብቲ ዓውዲ እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራትን ኣመልኪተን ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተሸሙ ኣምባሳደራት ገለፃ ገይረን።

ኣብ ገለፀአን ድማ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ሃፍቲ ብዝግባእ ንኽትጥቀም ናይ ምፍላጥመን ሰብ ሃፍቲ ናብ ሃገር መፂኦም ናኽሰርሑን ኣምባሳደራት ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቲተን።

ወ/ሮ ዳግማዊት ንውልቀ ሰብ ሃፍቲ ተፈሊዮም ዝተቐመጡ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ሕድሕድ መፅናዕቲ ኣዋፃኣይነት ተሰናዲኡ ከምዝተቐመጠ እውን ኣብሪሀን።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን አያኖ ብግደአን፥ ሰብ ሃፍቲ ናብ ሃገር ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ከይዲ ቅድሚት ክወሃቦም ዝግብኡ መሰረተ ልምዓታት መገዲን ፖሊሲን ምቹው ንምግባር ነናይ ባዕልና ግደ ክንዋፃእ ይግባእ ምባለን ካብ ሚኒሰስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.