Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት ደሴ ልዕሊ 80 ትራንስፎርመራት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ተዘሪፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት ደሴ ልዕሊ 80 ትራንስፎርመራት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ተዘሪፎም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሞንጎ ዝተዋደዱ 6 ዲስትሪክታት ሓደ ዝኾነ ዲስትሪክት ደሴ፥ ኣብ ትሕቲኡ 23 ኣግግሎት ዝህባ ማእኸላት ኣለዋ።

ዳይሬክተር ዲስትሪክት ደሴ ሃብቱ ኣበበ ከምዝገለፁዎ፥ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝበፅሑዎም ቦታታት ዝርከቡ ማእኸላት መውሃቢ ኣገልግሎታት ልዑል ጉድኣት ኣብፂሖም ኢዮም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ እቲ ዲስትሪክት ዝርከቡ ንብረታት ዝኸኣሎ ዘሪፉ ዝተረፈ ሙሉእ ብሙሉእ ኣዕኒዩ ከምዝኾ ገሊፆም።

ካብ ከበድቲ ተሸከርከርቲ ጀሚሩ ኣብ ማእኸል መኸዘኒ ዝርከቡ ንብረታት ዘሪፉን ኣዕኒዩን እቲ ትካል ባዶ ገይሩዎ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዲስትሪክት ደሴ ዋና ማእኸል መኽዚን ዝርከቡ ብሚሊየን ብር ዝቑፀር ግምት ዘለዎም ልዕሊ 80 ትራንስፎርመራት ከምዝተዘረፉ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዲስትሪክት ደሴ ዝተፈፀመ ዘረፋን ዕንወትን ልዑል ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሃብቱ፥ እዚ ከምብሓዱሽ ምውዳብ ከምዘግድድ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ዘይኮነስ መንግስቲ ፌዴራል እውን ተዋዲዶም ክሰርሑዎ ኢዮም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.