Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዝተኸዘኑ ቅርታታት ተፈቲሖም – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ህዝብቢ ቅርታ ብምስማዕ ስራሕቲ ኢሚግሬሽን ምትዕርራይ ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ትኹረት ብምግባርን ትካላዊ ለውጢታትን ብምውጋን ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ብዙሓት ምምሕያሻት እናተተግበሩ ይርከቡ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ንኣብነት ዝኣክል ድማ ኣብ መዓልቲ ብኦንላይን 900 ፓስፖርት ይወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ናብ 1700 ምብፃሕ ከምዝተኽኣለን ቅድም ኢሎም ዝተጠራቐሙ ሕቶታት ኣተኣናጊድካ ንምውዳእ ብዝተሰርሐ ስራሕ 1 ሚሊየን ፓስፓርት ተሓቲሙ ኣቲዩ ክሳብ 87 ሚኢታዊ ከምዝተኸፋፈለን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡

“ዝተኸዘኑ ቅርታታት 100 ሚኢታዊ ተፈቲሖም ኢዮም” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ ኢትዮዽያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝነብሩ 10 ሺሕን 467 ሰባት ምምዝጋብ ከምዝተኻእለ ኣብሪሆም።

ናይ ሕሶት መረዳእታ ዝሓዙ 18 ሺሕን 000 ሰባት ቅፅዓት ክኸፍሉ ከምዝተገበረ፣ ኣብ 188 ሃገራት ኣገልግሎት ቪዛ ብምኽፋት ን81 ሺሕን 9278 ተኣናገድቲ e-visa ሓዊሱ ኣገልግሎት ቪዛ ተዋሂቡ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ን4 ሚሊየን 276 ሺሕን 474 ውልቀ ሰባት ብኣየርን ብምድሪን መባፅሕቲ ቦታታት ኣገልግሎት ከምዝተዋህበ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እቲ ትካል ዝዘመነን ኣገልግሎቱ ብፅሬት ዝህብን ትካል ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ይከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.