Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 7 ሺሕ ዝኸውን ጠያይቲ ክላሽንኮቭ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ተሽከርካሪ ተሓቢኡ ዝኣተወ ልዕሊ 6 ሺሕ ጠያይቲ ክላሽንኮቭነወ ዝናር ብሬንን ምስ ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንነትን ሓበሬታን ብምትሕብባር ክሕዝ ከምዝኸኣለ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

መበገሲኣ ከተማ ባህርዳር ዝገበረት ቁፅሪ ሰሌዳ 04240 ኮድ 3 ኣ.ማ ላንድ ሮቨር ተሸከርካሪት ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ብምሕባእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ በዝሑ 6 ሺሕን 985 ጣያይቲ ክላሽንን ሕድሕዱ 492 ጠያይቲ ክሕዝ ዝኽእል ኣርባዕተ ዝናር ብሬንን ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ10 ፍሉይ ቦታ ኣዲሱ ገበያ ከባቢ ድል በር 9 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ቀጥሪ ሰዓት11፡00 ምስ ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንነትን ሓበሬታን ብምትሕብባር ኢድ ንኢድ ክሕዝ ከምዝኸኣለ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ገሊፁ፡፡

እቶም ጠያይቲ እናዘዋወሩ ዝነበሩ ክልተ ተጠርጠርቲን ንዘይሕጋዊ ተግባር ዝተገልገሉላ ሓንቲ ተሸከርካሪትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.