Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 30 መቋረፂ እግረኛ ተሰገርቲ ድልድላትን መመሓላለፊታትን ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀሊል ባርን ቀለበት መገዲታትን 30 መቋረፂ እግረኛ ተሰገርቲ ድልድላትን መመሓላለፊታትን ከምዝህነፁ በዓል መዚ መገዲታት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ኢያሱ ሶሎሞን÷ “እቲ በዓል መዚ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ትራፊክ እታ ከተማ ምቹው፣ ቅልጡፍን ድሕንነቱ ዝተሓወን ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ ህንፀት መገዲ እናወገነ ይርከብ” ኢሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀሊል ባቡር ዝሓልፈሎምን ውሽጣዊ ቀለበት መገዲን ተባሂሎም ኣብ ዝፅውዑ ቦታታት መሰጋገሪ ድልድላትን መመሓላለፊታትን ብዘይምህላዎም እግረኞታት ንሓደጋ ትራፊክ እናተቓልዑን መገዲ ንምቁራፅ ነዊሕ ርሕቐት ንምጓዓዝ ከምዝግደዱን ተዛሪቦም።

እቶም ተሰገርቲ ድልድላትን መመሓላለፊ መስመራትን ልዕሊ መሬት ከምኡ እውን ብውሽጢ መሬት ከምዝኾነጡ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.