ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ዙር ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ዙር ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ምሃብ ተጀሚሩ።
እቲ ክታበት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 10 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኖም ኩሎም ኣብ ኩለን መንግስታዊ ጣቢያታት ጥዕናን ኣብ ዝተመረፁ ግዚያዊ መውሃቢ ክታበትን ብመልክዕ ወፍሪ ከምዝወሃብ ተሓሩ፡፡
ኣብቲ ወፍሪ ክታበት 249 ሺሕ ዝኸውን ክታበት ዶዝ ንመሃብ ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ፡፡
ኮቪድ-19 ሕዚ እውን ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ፅዕንቶ ሕብረተሰብ እናሕደረ ስለዝኾነ፥ እዚ ፅዕንቶ ንምንካይ ክታበት ምውሳድ ከምዝግባእ ምግላፁ ካብ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።