Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበረ በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ክብርታቱ ብዘሓለወ መልክዑ ተኸቢሩ ብሰላም ተዛዚሙ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ፥ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ፀፅታ፣ ዕዱማት እቲ በዓልን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣመስጊነን።

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምድላው እቲ በዓል ኣብ ፅባቐን ፅሬት ከባቢ ብምክያድን ከምኡ እውን ንዕዱማት ምግቢን ማይን ብምቕራብ ንዝገበሩዎ ምትሕብባር ዝነኣድ ከምዝኾነ ወይዘሮ ኣዳነች ኣብሪሀን።

ናይዚ ዓመት በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዲ ፈጣሪ ካብ ምምስጋን ሓሊፉ ኢትዮጵያውነት ብምጉላህ ሓድነት፣ ምትሕብባርን ሕውነትን ህዝቢታት ዘጠናኸረ ከምዝነበረ ገሊፀን።

ኣብቲ በዓል ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ብፍላይ ካብ ጋሞ፣ ሃላባ፣ ሲዳማን ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝተሳተፉሉን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝተጠናኸረሉን በዓል ኮይኑ ከምዝሓለፈ እተን ከንቲባ ኣፍሊጠን።

ፅባሕ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዴ ብዕዉት ኩነታት ንኽኽበር ኩሉ ሰብ ዝተለመደ ምትሕብባር ንኽገብር ፀዊዐን።

የአዲስ አበባ ከተማ አስተዳደር ከንቲባ ወ/ሮ አዳነች አቤቤ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.