Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ገዛ ተደርሚሱ ብዝበፅሐ ሓደጋ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 12 ፍሉይ ሽሙ ጠሮ መስጊድ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ገዛ ተደርሚሱ ብዝበፅሐ ሓደጋ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ።

ፈፃሚት ስራሕ እቲ ክፍለ ከተማ ወ/ሮ ኣይዳ ኣወል ከምዝበለኦ÷ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ናይ ውልቀ ሰብ መንበሪ ገዛ ተደርሚሱ ኣብ ድሕሪቱ ኣብ ዝርከብ ካሊእ መንበሪ ገዛ ብምዕራፉ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ፡፡

እቲ ሓደጋ ለይቲ ሰዓት 11 ዘጋጠመ እንትኸውን÷ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ክዝሓለፈ እተን ፈፃሚት ስራሕ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.