ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን150 ሺሕን 199 ተምሃሮ ከተማ ሓቆፍ ፈተና ንመሃብ ምድላው ተገይሩ – ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን150 ሺሕን 199 ተምሃሮ 6ይን 8ይን ክፍሊ ከተማ ሓቆፍ ፈተና ንመሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ትምህርቲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ምምሕዳር ምዘናን ፈተናን እቲ ቢሮ ዲናኦል ጫላ÷ ነቲ ፈተና ኣድላዪ ዘበለ ምድላው ተገይሩ ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።
ብምዃኑ ናይ 671 ቀዳማይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ምዝገባ ተፈተንቲ ተምሃሮ፣ መፈተኒ ቦታታትን ወረቐት ፈተናን ድልው ከምዝተገበረ ኣረጋጊፆም።
ብሓፈሻ ን150 ሺሕን 199 ተምሃሮ 6ይን 8ይን ክፍሊ ኣብ 185 መፈተኒ ጣቢያታት ፈተና ከምዝወሃብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 75 ሺሕን 107 ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ 26 ን 27 ሰነ ዝፍተኑ እንትኾኑ÷ ካብ 28 ክሳብ 30 ሰነ 2015 ዓ.ም ደግሞ 75 ሺሕን 92 ተምሃሮ 6ይ ክፍሊ ክፍተኑ ኢዮም ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።