Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝቕፅሉ 4 ኣዋርሕ ዝፀንሕ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓትን ሓለዋ ከባቢን መናእሰይ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓትን ሓለዋ ከባቢን መናእሰይ ተጀሚሩ ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣደስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብታ ከተማ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢን ሓምለዋይ ልምዓትን ኣጀሚረን።

እተን ምክትል ከንቲባ ከምዝገለፀኦ፥ ኣዲስ ኣበባ ብበፃሕቲ ተመራፂት ንክትከውንን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚኣ ንምድንፋዕን ፅብቕቲ፣ ፅሪይቲ፣ ንናብራ ምችውቲ ንክትከውን ምስራሕ ይግባእ።

ኣብቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ፥ ልዕሊ 28 ሺሕ ደቂ ኣንስቲዮን ደቂ ተባዕትዮነን መናእሰይ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ከምዝሳተፉ እውን ተዛሪበን።

ብኣተሓባባራይነት ኮሚሽን ሓለዋ ከባቢን ሓምለዋይ ልምዓትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝርከቡ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስቲዮን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓትን ሓለዋ ከባቢን ከምዝካየድ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.