Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዓመት በዓል ዝኾኑ ናውቲታት ብስፍሓት ምቕራቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዓመት በዓል ዝኾኑ ናውቲታት ብስፍሓት ምቕራቦም ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ሃቢባ ሲራጅ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ፍሪያታት ኢንዱስትሪን ግብርናን ሓዊሱ ተዋፅኦታት እንስሳት ብእኹል ኩነታት ቀሪቦም ኢዮም ኢለን።

ኣብ ዕዳጋታት ሰንበትን ማእኸላት ዕዳጋን ክሳብ ኢቲ ዓመት በዓል እታዎታት ብስፍሓት ከምዝቐርቡ ሓቢረን።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዘለዉ ማእኸላት ዕዳጋ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 5 ጳጉመን ዝፀንሕ ባዛር ከምዝተሰናድአ እወን ተዛሪበን።

ብቅድስት ኣባተ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.