Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመሰረተ ልምዓት ኣብ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ዝዓቖረ ማይ እናሓመሰ ዝነበረ መንእሰይ ህይወቱ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመሰረተ ልምዓት ኣብ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ዝዓቖረ ማይ እናሓመሰ ዝነበረ መንእሰይ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ መንእሰይ ቀትሪ ሰዓት 8 ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 3 ፍሉይ ሽሙ ድሕሪ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ንህንፃ ኣብ ዝተኹተን ማይ ኣብ ዝዓቖረን ጉድጓድ ንምሕማስ ኣቲዩ ህይወቱ ሓሊፉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዃዒቶም ክፍቲ ኣብ ዝግደፉ ጉድጓዳት ንኽሕምሱን ብካልኦት ምኽንያታትን ኣብ 2015 ዓ.ም ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሓፈ ገሊፆም።

ኣብ 2014 ዓ.ም እውን ብተመሳሳሊ ሓደጋ ህይወት ትሽዓተ ሰባት ከምዝሓለፈ ኣዘኻኺሮም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.