Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናህሪ ናብሪ ብዝለዓለ ኩነታት ዝቕንሱ  ስራሕቲ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ-ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናህሪ ናብሪ ብዝለዓለ ኩነታት ዝቕንሱ  ስራሕቲ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።

ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ኣመራርሓ ወረዳ ምስ ዘለዉ ኣመራርሓ ክሳለጥ ዝቐነየ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ገምጋም፥ ንስራሕን ናብራን ምቹእ ዝኾነት ከተማቀ ንምህናፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዘለውሉ ብርኪ ከምዝተለለዩ እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ ገሊፀን።

ውፅኢት ካብ ዝተረኸበሎምን ካብ ዝተዓወቱን ስራሕቲ ውሽጢ ናይ ኣመራርሓ ናይ ሓሳብን ተግባርን ሓድነት ብምህናፅ እቲ ኣመራርሓ ኣብ ስራሕ ጠመተ ንክገብር ምግባሩ ንኣብነት ረቚሐን።

ብተወሳኺ ፅባቐ እታ ከተማ ዘመሓየሹ ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ክብ ንምባል ዝግበሩ ገዘፍቲን ታሪካዊን ፕሮጀክትቲት ምዝዛም፣ ብዙሓት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋገፁ ፕሮጀክትታት ምዝዛም ከምኡውን ሰብ ተኮር ስራሕቲ ፀገማን ነበርቲ እታ ከተማ ዘቃለለ ንክኸውን ምርግጋፁ ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.