ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትሕቲ ዓቕሚ ዝኾና 12 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፂየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትሕቲ ዓቕሚ ዝኾና 12 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓፀዋ በዓል መዚ ቁፅፅር ፅርየት ትምህርቲን ስልጠናን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ብመሰረት ዝተውሃበ ተግባርን ሓላፍነትን ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ብመሰረት ዝተቐመጠ መዐቀኒ ፍቓድን ሕድሳትን ከምዝወሃበን ሓቢሩ።
ስለዝኾነ እቲ ዝተቐመጠ መዐቀኒ ዘየማልኣ 12 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፂየን ኢሉ።
እተን ኣብያተ ትምህርቲ፥ ኣዲስ ተስፋ ቅድመ ኣንደኛ -ኣቃቂ፣ ዜድ ኤም ቅድመ ኣንደኛ-ኣቃቂ፣ ለግሎው ቅድመ ኣንደኛ -ንፋስ ስልክ፣ ኤልሻዳይ ቅድመ ኣንደኛ -ንፋስ ስልክ፣ ቆሬ ብርሃን ቅድመ ኣንደኛ -ንፋስ ስልክ፣ ማይድሪምላንድ ቅድመ ኣንደኛ-ንፋስ ስልክ፣ ቲ ፒ ፋይ ቅድመ ኣንደኛ -ንፋስ ስልክ፣ ሮማናት ቅድመ ኣንደኛ -ንፋስ ስልክ፣ ኣዲስ ቪዥን ቅድመ ኣንደኛ ቦሌ፣ ኣዲስ ቪዥን የመጀመሪያ ደረጃ- ቦሌ፣ ኢልመኑር ቅድመ ኣንደኛ -ኮልፌ ቀራንዮ፣ ስትራይቨርስ 2ኛ ደረጃ ት/ቤት-ንፋስ ስልክ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።