Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትህነግ ንምውጋዝን ብኣንፃሩ ድማ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ዘለዎ ደገፍ ንምግላፅን ዘኽእል ሰልፊ ፅባሕ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣  1 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሸባሪ ጉጅለ ትህነግ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንምውጋዝን ብኣንፃሩ ድማ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ዘለዎ ደገፍ ንምግላፅን ዘኽእል ሰልፊ ፅባሕ ክግበር ኢዩ።

ኣብቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝካየድ ሰልፊ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያኣ ዘለዎ ነበርቲ ፍሉይ ዞባ ክልል ኦሮሚያን ክሳተፉ ኢዮም።

እቲ ሰልፊ ዕዉት ንክኸውን ኣካላት ፀፅታ እኹል ምድላዋት ከምዝገበሩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበበ ገሊፁ።

ኣብቲ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ፈረሰኛታት እውን ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ዕለት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝካየድ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ካብ ንጎሆ ሰዓት 11  ጀሚሩ ዝተወሰኑ መገዲታት ንግዚኡ ንትራፊክ ዕፁዋት ክኾኑ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ፥

•  ካብ ቦሌ  መንገዲ ኣየር ብሚሊኒየም አዳራሽ  ናብ መስቀል አደባባይ ዝወስድ መገዲ ደንበል ሲቲ ሴንተር ኦሎፒያ አደባባይ

•  ካብ መገናኛ ፣ ብሃያ ሁለት ናብ መስቀል አደባባይ ከምኡውን ካብ ቦሌ መድሃኔዓለም፣ ብአትላስ ሆቴል ናብ መስቀል   አደባባይ ዝወስድ መንገዲ ኡራኤል ቤተ-ክርስቲያን ከባቢ
•  ካብ አራት ኪሎ ወደ መስቀል አደባባይ ዝወስድ መንገዲ ባሻወልዴ ችሎት ወይ ፓርላማ መብራት
•  ካብ ቸርችል ጎዳና ናብ መስቀል አደባባይ  ዝወስድ መንገዲ ቴዎድሮስ አደባባይን አገር አስተዳደር መብራት ወይ ኢሚግሬሽን
•  ካብ ተክለ ሀይማኖት ብሜትሮሎጂ መስቀል አደባባይ  ዝወስድ መንገዲ ሜትሮሎጂ መስሪያ ቤት ከባቢ
•  ካብ ተክለ ሀይማኖት ፣ ብጥቁር አንበሳ ሆስፒታል፣ ኢሚግሬሽን ጥቁር አንበሳ ናይ ድሕሪት በሪ
•  ካብ ጌጃ ሰፈር ፣ ጤና ጥበቃ፣ ብሄራዊ ቲያትር ዝወስድ መንገዲ ጎማ ቁጠባ
•  ካብ ሳሪስ ብጎተራ ናብ መስቀል አደባባይ  ዝወስድ መንገዲ አጎና ሲኒማን አራተኛ ክፍለ ጦርን
•  ካብ ጦር ሃይሎች ፣ ልደታ ፣ ፖሊስ ሆስፒታል ሜክሲኮ አደባባይ
•  ካብ ጦር ኃይሎች ናብ ልደታ ፣ ፖሊስ ሆስፒታል ፣ ሜክሲኮ፣ ለገሀር  ዝወስድ መንገዲ ለገሃር መብራት  ከባቢ   ንተሽከርካሪ ዕፁው ክኸውን ኢዩ፡፡

ሕብረተሰ ሓበሬታ ንምሃብ እንትደሊ ወይ ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ ብ011-1-11-01-11 ወይ ብነፃ መስመር ስልኪ 991 ከምኡውን ናይ ፌደራል ፖሊስ ስልኪ ቁፅሪታት 011-5- 52-63-03 ን ብነፃ ፃውዒት ስልኪ  987 ምጥቃም ከምዝከኣል ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.