ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ7 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ፓርኪ ኢንዳስትሪ ኣናእሹቱን ማእኸለዎትን ክህነፅ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ 7 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ብር ፓርኪ ኢንዳስትሪ ኣናእሹቱን ማእኸለዎትን ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።
ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ እቲ ዝህነፅ ነታ ከተማ ሓዱሽን ፈላማይ መርኣያ ኢንዳስተሪ ፓርክ ኣናእሹቱን ማእኸሎትን ኣብ 93 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝዓርፍ እዩ ክብላ ኣብ ማሕበራዊ ገፀን ሓቢረን።
እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኤም ሲጂ ቲ ኤን ቲ ዘተብሃለ ትካል ስራሕቲ ህንፀት እዩ።
እቲ ስምምዕነት ንምስፍሕፋሕ ኢንዳስትሪ ዝሕግዝ፤ ተካእቲ ዝኾኑ ፍርያት ብምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕኑ፤ ብኣጠቓቕማ ተክኖሎጂ ዝማዕበሉን ብናይ ስራሕ ባህሊ መርኣያ ዝኾኑን መፍረይቲ መናእሰይ ዝፈርይሉ ክኾን ኣብ ግምት ዘእተወ ክምዝኾነ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ሓቢረን።
እቲ ዝህንፅ ፓርክ 21 ዝተፈላላዩ ደብሪታት ዝህልዉዎ ንመፍረያይነት ዝውዕል ሼዳት ዝሓዘን 400 እታወታት ዘቕርቡን መሸጢ ሹቓት ክህልዉዎ እዩ ተባሂሉ።
ብተወሳኺ ካብ 18 ክሳብ 20 ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ምዃኑ እውን ሓቢረን።
ንስራሕቲ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ሓዊሱ ፍርያት ዓለባን ጨርቃ ጨርቅን፤ ስራሕቲ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን፤ ኮንስትራክሽን፤ ኬሚካል፤ ፕላስቲክ፤ ኣቑሑት ኢሌክትሪክ፤ እታወታት ኣቑሑት ዘፈር ጥዕናን ዝሓወሰ ብሓፈሻ ንኹለመዳያዊ ዕቤት እታ ከተማ ዝለዓለ ግደ ዝፃወት እዩ ኢለን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።