Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ልዕሊ 5 ሺሕን 536 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ልዕሊ 5 ሺሕን 536 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 6 ክሳብ 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኦፕሬሽን ከምዝተኻየደ ኣብሪሆም።

በቲ ኦፕሬሽን ልዕሊ 1 ሺሕ ተጠርጠርቲ ምስ ብዙሕ ዝተፈላለዩ ኤግዚብታት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ረዳት ኮሚሽነር ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣድማሱ ኢፋ፥ ገበን ምንጠላ ብተሽከርከርቲን ብኣካልን፣ ገበን ዝፍፀመሎም ከባቢታትን ኣባይቲን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ጠላዕ ዝግበረሎም 1 ሺሕን 114 ኣባይቲ፣ 176 ዝተዓሸጉ ሺሻ ዝሰሓበሎም ኣባይቲ፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ 73 ኪሎ ግራም መዐወንቲ እፃት፣ ህፃናት ብምእካብ ዝተፈላለዩ ዘየድልዩ ተግባራት ዘስፋሕፍሑን ትውልዲ ዘጥፍኡን፣ 164 ህፃናት ብምእካብ እቲ ተግባር እንትፍፅሙ ዝነበሩ ኣካላት ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.