Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሰለስተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ 90 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢታት ሾላ ገበያ ፣ ኣቃቂን ዮሴፍ ከባቢን ብዘጋጠመ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ 90 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ካብዚ ንላዕሊ ጉድኣት ንከየጋጥም ሰብ ሞያ ልዑል ርብርብ ከምዝገበሩ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ዋና ኮሚሽነር ፍሰሃ ጋረደው፥ ኣብ በዓል ልደትን ጥምቀትን ተመሳሳሊ ሓደጋ ንከየጋጥም ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ኣተሓሳሲቦም።

እንተጋጢሙ ድማ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተይበፅሐ ንምቁፅፅራ 900 ሰብ ሞያን 90 ናይ ሓደጋ እዋን ተሽከርከርቲን ምድላው ከመዝገበሩ ተዛሪቦም።

ብኤፍሬም ምትኩ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.