Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ምሸት ሰዓት 12:36 ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 7 ጉርድ ሾላ ድሕሪ ንግድ ባንክ ኢዩ ኣጋጢሙ።

በቲ ሓደጋ ክልተ መንበሪኣባይቲን 10 ናይ ንግዱ ገዛውቲን ከምዝተቓፀሉ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ሰራሕተኛ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰባት ቀሊል ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣይተ ንጋቱ ንፋና ብሮድካቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ቀዲሙ ዝተስፋሕፈሐ እቲ ሓደጋ፥ ናብ ካሊእ ከባቢ ተዛሚቱ ተወሳኺ ጉድኣት እንተየብፀሐ ኣብ ዘለዎ ምቁፅፃር ከምዝተኸኣለ እውን ኣብሪሆም።

መበገሲን መጠን ዘጋጠመ ጉድትን እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.