Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ከተማ መዓልቲ ይቕሬታ ተኸቢሩ

ዛዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት መዓልቲ ይቕሬታ ተኸቢሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን እንግዶት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ “እቲ ምድላው እዋናዊን ኣድላዪን ኢዩ፤ ይቕሬታ ብምብህሃል ማሕበራዊ እሴታትና ብምዕባይ ሓድነትና ነፅንዕ” ኢለን።

ሃገር ብዘይ ሰብ፤ ሰብ ድማ ብዘይ እሴት ባዶ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ ንመንነትና መሰረት ዝኾኑ ከም ይቕሬታ ዝበሉ እሴታት ብምድንፋዕ ንፅባሕ ወለዶ ትኸውን ፍቕሪ፣ ሰላምን ሕብረትን ዝዓሰላ ሃገር ንህነፅ ክብላ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ መራሕቲ ሃይማኖት ብግደኦም፥ ሕብረተሰብ ዝሐሸት ፅባሕ ንምህናፅ፥ ካብ ምፅላእ ምፍቓር፣ ካብ ምርሕሓቕ ምቅርራብ፣ ካብ ምፍልላይ ሓድነት ብምድንፋዕ ይቕሬታ ባህሊ ብምግባር ኣብ ሰላም፣ ሓድነትን ፍቕሪን መሰረት ከንብር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ 2012 ዓ.ም ብይቕሬታ፣ ብምትሕብባር፣ ብኣምባሳደርነት፣ ብምስጋናን ብስራት ብሩህ ተስፋን ንሳገር ዝበላ እንትኾና፥ ይቕረ ኢልና ይቕሬታ ተቐቢልና ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ ምቕባል ይግባእ ኢለን።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ተወከልቲ ማሕበር ሓርበኛታት፣ መናእሰይ እታ ከተማ፣ ሓይሊታት ፀፅታ፣ ኪነጥበባውያን፣ ዓበይቲ ዓዲ ከምኡ እውን ደገፍቲ ኩዕሾ እግሪ ኣዲስ ኣበባ ነኒባዕሎምን ንመላእ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ይቕሬታ ምሕታቶም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬቴሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.