Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሓደ ሰብ ህይወቱ ስኢኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 12 ከባቢ ቡልቡላ ማርያም ማዞሪያ  ትማሊ ምሸት ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሓደ ሰብ ህይወቱ ከምዝሰኣነን ካልኡት ክልተ ድማ ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ፥ ኣብ ሹቕ መለዋወጢ ኣቑሑ መካይን ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እዚ ኣብቲ ሹቕ ተቖፂራ ትሰርሕ ጓል 20 ዓመት ህይወታ ከምዝሰኣነት በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ከልተ ሰባት ብትኪ ናይ ምዕፋን ጉድኣት ከምዘጋጠሞም እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.