Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርዓት ንግዲ ዘየኽበሩ 21 ሺሕ ትካላት ንግዲ ተዓሺጎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርዓት ንግዲ ዘየኽበሩ 21 ሺሕ ትካላት ንግዲ ከምዝተዓሸጉ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር እቲ ኮሙኒኬሽን ሰውነት ኣየለ፥ ኣብዚ ዓመት ንልዕሊ 400 ሺሕ ትካላት ንግዲ ክትትልን ቁፅፅርን ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ንግዲ ንዝጠሓሱ ልዕሊ 50 ሺሕ ትካላት ንግዲ ሕጋዊን ምምሕዳራዊን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ገሊፆም።

ካብ መንጎ እዚኣቶም እቶም 21 ሺሕ ትካላት ንግዲ ነክዕሸጉ፣ ፍሪያቶም ካብ ዕዳጋ ክእከብን ካልኦት ተመሳሰልቲ ስጉምቲታትን ነክውሰደሎም ከምዝተገበረ ኣረዲኦም ክበል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.