Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምሕያሽ ታሪፍ መጓዓዚያ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተገበረ ምምሕያሽ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ገምት ዘእተወ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምሕያሽ ታሪፍ መጓዓዚያ ከምዝተገበረ ቢሮ ትራንስፖርት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓዱሽ ምምሕያሽ ታሪፍ መጓዓዚያ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ከምዝውዕል ድማ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ንሚኒባስ ታክሲታት፥ ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ 4 ብር፣ ካብ 2 ነጥቢ 6 ክሳብ 5 ኪሎ ሜትሮ ድማ 7 ብር ኮይኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ካብ 5 ነጥቢ 1 ክሳብ 7 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ 10 ብር ንክኸውን ተወሲኑ።

ታክሲታት ሃይገርን ቅጥቅጥን ብዝምልከት፥ ክሳብ 8 ኪሎ ሜትሮ 5 ብር፣ ካብ 8 ነጥቢ 1 ክሳብ 12 ኪሎ ሜትሮ  8 ብር፣ ካብ 12 ነጥቢ 1 ክሳብ 16 ኪሎ ሜትሮ 10 ብር ንክኸውን ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ  ካብ 16 ነጥቢ 1 ክሳብ 20 ኪሎ ሜትሮ 13 ብር ንክኸውን፣ ካብ 20 ነጥቢ 1 ክሳብ 24 ኪሎ ሜሮር 15 ብር፣ ካብ 24 ነጥቢ 1 ክሳብ 28 ኪሎ ሜትሮ 18 ብር ንክኸውን ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

ካብ 7 ነጥቢ 6 ክሳብ 10 ኪሎ ሜትሮ 14 ብር፣ ካብ 10 ነጥቢ 1 ክሳብ 12 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ታሪፍ 17 ብር፣ ካብ 12 ነጥቢ 6 ክሳብ 15 ኪሎ ሜትሮ 20 ብርን 50 ሳንቲምን ኮይኑ ኣሎ።

ካብ 15 ነጥቢ 1 ክሳብ 17 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ 24 ብር፣ ካብ 17 ነጥቢ 6 ክሳብ 20 ኪሎ ሜትሮ ድማ 27 ብር፣ ካብ 20 ነጥቢ 1 ክሳብ 22 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ 31 ብር ንክኸውነ ተወሲኑ።

ከምኡውን ካ22 ነጥቢ 6 ክሳብ 25 ኪሎ ሜትሮ በቲ መመሓየሺ 34 ብር፣ ካብ 25 ነጥቢ 1 ክሳብ 27 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ 38 ብር፣ ካብ 27 ነጥቢ 6 ክሳብ 30 ኪሎ ሜትሮ 41 ብር  ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምምሕያሽ ታሪፍ ቀላል ባቡር ኣዲስ ኣበባ ድማ፥ ክሳብ 17 ኪሎ ሜትሮ 7 ብር ንክኸወን ውሳነተመሓሊሊፉ።

ብምስክር ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.