Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መሸጣ ነዳዲ ብስርዓት ዲጂታል ክፍሊት እናተኻየደ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ 153 መከፋፈሊ ነዳዲ መሸጠአን ብስርዓት ዲጂታል ክፍሊት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ኩለን መዕደሊ ነዳዲ ሰብ ሞያን ተወከልቲ ቴሌብርን ተዋፊሮም ኣድላዪ ሓገዝ ኣብ ምግባር ከምዝርከቡ ኢትዮ ቴሌኮም ገሊፁ።

ዓማዊል ነዳዲ ንምቕዳሕ እንትኸዱ መጀመርያ ቴሌብር ኣካውንት እንተዘይሃሊዩዎም ቴሌብር ሱፐርኣፕ http://xn--onelink-om4a.to/75zfa5 ብምውራድ ወይ እውን *127# ብምድዋል ብቐሊሉ እቲ ከይዲ ብምኽታል ክምዝገቡ ምስ ቴሌብር ምስ ዝተኣሳሰሩ 20 ባንኪታ፣ ኣብ ማእኸላት ኣገልግሎት ወይ እውን ምስ ካልኦት ወኪላት ቴሌብር ኣቢሉ እኹል ገንዘብ ናብ ቴሌብር ኣካውንት ንኸመሓላልፉን ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ዝርከቡ ወኪላት ኣቢሎም ገንዘብ ኣታዊ ብምግባር ክፍሊት ነዳዲ ብቐሊሉ ብቴሌብር ክፍፅሙ ከምዝኽእሉ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.