Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝፍጠር ፀግም ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ ብ85 ሚሊየን ዶላር ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝፍጠር ፀግም ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ ብ85 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምዕባይ ዓቕሚን ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝኾን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ውሽጢ 50 ኪ.ሜ ዝርከባ ከተማታት ተግባራዊ ምግባር ተጀሚሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝረአ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ፥ ብ85 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምዕባይ ዓቕሚን ተግባራዊ እናተገበረ ይርከብ።

እቲ ፕሮጀክት ብምኽንያት ምእራግ መከፋፈሊ መስመራት ኤሌክትሪክ ዝረአ ምቁርራፅን ምንካይን ንምፍታሕ ዝትግበር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኤሌክትሪክ ፓወር ኢኩፕመንት ቴክኖሎጂ ቻይናን ናሽናል ኮርፖሬሽን ሄቪ ማሽነሬ ቻይናን ብዝተብሃሉ ተቛረፅቲ ዝህነፅ ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.