Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዋሳኒ ከባቢታት ክልል ዓፋርን ሶማሌን ዘጋጠሙ ጎንፅታት ብዘተ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ተስማዕሚዕና-ርእሳነ ምምሕዳራት ክልቲአን ክልልት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዋሳኒ ከባቢታት ክልል ዓፋርን ሶማሌን ዘጋጠሙ ጎንፅታት ብዘተ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ተስማዕሚዕና ኣለና ክብሉ ርእሳነ ምምሕዳራት ክልቲአን ክልልት ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጤፌ መሓመድን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለፂ፥ ኣብ ኣዋሳኒ ከባቢታት እተን ክልላት ዘጋጥሙ ጎንፂታት ብሰላማዊ መገዲ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን እተን ክልላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ነቶም ጎንፂታት መበገሲ ዝኾኑ ዛዕባታት ሓበራዊ መፍትሒ ንምሃብ ስምምዕነት ከምዝተገበረ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.