ኣብ ኣንፈታት ውሳነ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ግደ መናእሰይ ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና “ኣብ ኣንፈታት ውሳነ ግደ መናእሰይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ከምኡ እውን ከተማታት ይካየድ ኣሎ፡፡
ብመሰረት እዚ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ኣብ ክልላት ሃረር፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ኣብቶም መድረኻ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተረባሕነት ህዝቢ ዘጎልብቱ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝወገነ ተገሊፁ።
ብፍላይ እቲ ፓርቲ ተረባሕነት መናእሰይ ዘጎልብቱ ኩለመዳይ ስራሕቲ ከምዝወገነን ተረባሕነት እናጎልበተ ምምፅኡን ተሓቢሩ።
እቲ ፓርቲ ዝውግኖም ስራሕቲ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምድንፋዕ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ውሳነታትን ኣንፈታትን ከምዝተቐመጡ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ንተግባራዊነቶም መንእሰይ እጃሙ ከበርክት ከምዝግባእ ተገሊፁ።