Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ልምዲ ንምልውዋጥን ብምትሕብባር ንምስራሕን ምስ ጉጅለ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ልዝብ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ልምዲ ንምልውዋጥን ብምትሕብባር ንምስራሕን ምስ ጉጅለ ልኡኽ ጉምሩኽን ታክስን ውሽጢ ዓዲ ደቡብ ሱዳን ልዝብ ተገይሩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስትር እቶት ፌዴሪኢ ኣይተ ዘመዴ ተፈራ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዶብ ዝዋሰና ሃገራት ጥራሕ ዘይኮናስ ናይ ሓባር ህዝቢ ዘለወንን ባህሊ ዝካፈላ ምዃነን ብምሕባር፤ ንተረባሕነትን ምዕባለን ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ልምዲ ኣተኣኻኽባ እቶት ብዝምልከት ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ገለፃ ተገይሩ፡፡

ደቡብ ሱዳን ካብ ነዳዲ ወፃእ ዘለዉ ኣተኣኻኽባ ግብሪን ዓለም ለኸ ስነ-ስርዓት ጉምሩኽን ብዝምልከት ካብ ኢትዮጵያ ልምዲ ክትወስድ ከምትደሊ ሓለፍቲ ስራሕ በዓል መዚ እቶት እታ ሃገር ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ፒታ ሞርጋን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ከም ገዝኦም ከምዝቐፅሩዋን ኣብ ሃገሮም ዘይምርግጋእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢትዮጵያ ተቐቢላ ከም ዜጋታታ ከምዘተኣናገደቶምን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ከባቢ ዶብ ዝግበር ንግዲ ብግቡእ ብምትሕድዳር ንኽልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ንኽኸውን፥ ኬላታት ጉምሩኽ ምጥያሽ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዘፈር ጉምሩኽ ውሽጢ ዓዲ ተሓባቢርካ ንምስራሕ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ንምስራሕ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝተውፃእፀአ ሰብ ሞያታት ቴክኒክ ብዝርዝር ልዝብ ተገይሩ ሰነድ ስምምዕነት ብምፍርራም ናብ ስራሕ ከምዝእቶ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.