Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣብያተ መድሓኒትን መኽዘናት መድሓኒትን ዘገድድ ደረጃ ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ኣብ ኣብያተ መድሓኒትን መኽዘናት መድሓኒትን ዘገድድ ደረጃ ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ከምዝግበር ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ሄራን ገርባ ኣፍሊጠን።

እቲ ኣገዳዲ ደረጃ፥ ኣብያተ መድሓኒትን መኽዘናት መድሓኒትን ብዛዕባ ዝህልዎም ሞያተኛታት፣ ብዛዕባ ዝሕዝኡ ዓይነታት መድሓኒት፣ ስፍሓት እተን ኣባይቲን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ዘካተተ ኢዩ ኢለን።

ክልላት ክሳብ ሐዚ ፍቓድ ዝህባሉ ዘለዉ መዐቀኒ ዝተፈላለየ ከምዝኾነ ብምግንዛብ፥ እቲ ኣሰራርሓ ምዕሩይ ክኸውን ከምዝግበር ምዝራበን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ክሳብ እቲ ደረጃ ተግባራዊ ዝግበር ሓዱሽ ፍቓዳት ንከይወሃብ ከምዝተኣገደ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.