Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ፖሊስ ንፀሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ድሕሪ ምውቅዑ ናዕቢ ተላዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ሃገር ዊስካንሶን ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ ፀሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ተኵሱ ምስ ወቕዖ ዝተላዕለ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ንኻልኣይ ለይቲ ቀፂሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ብጥይት ዝተወቕዐ ሰብኣይ ጃኮብ ብለክ ዝተባህለ እንትኸውን፥ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ መጥባሕቲ ከም ዝተገብረሉን ኣብዚ እዋን ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘሎን ስድራ ቤቱ ገሊፆም።

ብለክ ናብ መኪንኡ ክኣቱ ክፍትን እንከሎ ብድሕሪኡ ብጥይት ከም ዝተወቕዐ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርኢ።

ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማ ተለዒሉ ዘሎ ናዕቢ ሰብ መዚ እታ ከተማ እዋን ህፁፅ ግዜ ኣዊጆም ኣለው።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ናዕበኛታት ናብ ዋና ምምሕዳር ፖሊስ እታ ከተማ ብምኻድ ብዙሓት መካይን ከም ዘቃፀሉን “ኣይንብርከኽን” እናበሉ ይጭርሑ ከም ዝነበሩን ተገሊፁ።

ፖሊስ እታ ከተማ ብብዙሓት ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ተኸቲርና ዝብል ጥርዓን ከም ዝተቐበለ ድሕሪ ምግላፅ፥ ንወነንቲ ዋኒን ንብረቶም ክዓፅዉ ተላብዩ።

ፖሊስ ነቶም እዋን ህፁፅ ግዜ ጥሒሶም ኣብ ጎደናታት ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለው ናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ከም ዝተኮሰ’ውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.