Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ጎማ ቦይንግ ኣውሮፕላን ፈንዲኡ ህይወት 2 ክልተ ናይ ፅገና ሰራሕተኛታት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኣትላንታ ጎማ ቦይንግ ኣውሮፕላን ፈንዲኡ ህይወት 2 ክልተ ናይ ፅገና ሰራሕተኛታት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ቦይንግ 757-232 ዝብል መፍለዪ ፍርያት ዘለዋ እታ ኣውሮፕላን ንብረት መገዲ ኣየር ዴልታ ኣሜሪካ እንትትከውን÷ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ ንሰለስተ መዓልቲ ፅገና ቴክኒክ እናተገበረላ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

እታ ኣውሮፕላን ኣብ ፅገና ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ጎማኣ ብምፍንድኡ ክልተ ሰራሕተኛታት ፅገና እንትሞቱ ተወሰኽቲ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዘስዐበ እውን ተገሊፁ።

መበገሲ ምፍንዳእ ጎማ እታ ኣውሮፕላን ከምዘይተፈለጠ ዝገለፀ ፀብፃብ ኣር ቲ፤ ኣብ ኣውሮፕላናት ቦይንግ በቢእዋኑ ዘጋጥሙት ቴክኒካዊ ፀገናት ብዙሕ ሓደጋታት ካብ ምስዓቡ ሓሊፉ ንድሕንነት ዓማዊል ስግኣት እናኾኑ ከምዝመፅኡ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.