Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሪዞና ዝተወለዐ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 700 ኣባይቲ ኣዕኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ገፀር ከባቢታት ግዝኣት ኣሪዞና ብዝተለዓለ ንፋስ ምኽንያት ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 700 ኣባይቲ ከምዘዕነወ ተገሊፁ።

ኣብ ሰሜናዊ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ኣሪዞና ከተማ ፍላግስታፍ ውፅእ ኢሉ ዝተወለዐ ቅልጡፍ ሰደድ ባርዕ ሓዊ፥ ልዑል ዕንወት ምብፅሑን ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣዋጅ ሓደጋ እዋን ከምዝተኣወጀን ተሓቢሩ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 23 ካሬ ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ እንትኸውን፥ ብውሑዱ 24 ህንፃታት ከምዘዕነወ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዝተወለዐሉ ሰሜናዊ ኣሪዞና ከተማ ፍላግስታፍ ልዕሊ 2 ሺሕ ሰባት ይነብ ከምዝነበሩን 166 ኣባይቲ ከምዝዓነዉን ተፀሪሑ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ልዕሊ 1 ሺሕ እንስሳት ነቲ ከባቢ ለቒቖም ከምዝሃደሙ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.