Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ “ዘርኢ መሰረት ብዝገበረ ጭፍጨፋ” ንኢትዮጵያ ንምሕታት ተሓሲቡ ዝነበረ ሕጊ ተሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ “ዘርኢ መሰረት ብዝገበረ ጭፍጨፋ” ንምሕታት ተሓሲቡ ዝነበረ ሕጊ ከምዝተሰረዘ ዕላዊ ኮይኑ።

ቤት ምኽሪ ሲቪክ ኢትዮጵዮ ኣሜሪካውያን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ብዝገበሮ ኣኼባ መሰረት ሴናተር ጂም ኢንሆፍ ነቲ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ምልኣኹ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ሓበሬታ ድማ ንኢትዮጵያ ዘርኢ መሰረት ብዝገበረ ጭፍጨፋ ንምሕታት በሰኔት ቢሮ ዝተሓሰበ ሕጊ ማለት እውን ኣብ ውሽጢ #HR_4350 ዓንቀፅ አንቀፅ_6464_ ካብ ረቂቕ “Determination of potential Genocide or crimes Against Humanity” ዝብል ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተሰረዘ ዕላዊ ገይሩ።

እዚ ንምስራዝ ኣብ ሞንጎ ሴኔት ጂምን እቲ ካውንስልን ዛዕባ ኮይኑ ክትዕ ተገይሩሉ ነይሩ ኢዩ።

ሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሲቪክ ኢትዮጵዮጵያ ኣሜሪካውያን ዲያቆን ዮሴፍ ተፈሪ ንሴናተር ጀምስ ኢንሆፍ ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ቤት ምኅሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፅዕንቶታት ንምሕዳር ብዝብል ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ባይደን እናተኸተሎም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ መገዲታት ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ናይ ሕሶት ሓበሬታ መሰረት ብምግባር እናተሰናድአ ዝነበረ እዚ ሕጊ ሓደ ኢዩ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.