Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምልታም ኣውሮፕላንን ሄሊኮፕተርን ክሳብ ሐዚ 19 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምልታም ኣውሮፕላንን ሄሊኮፕተርን ክሳብ ሐዚ 19 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ምምሕዳር ኣቪዬሽን ኣሜሪካ ከምዝበሎ፥ እታ ኣውሮፕላን 60 ተጓዓዝቲን 4 ሰራሕተኛታት በረራን ብምስፋር ትጓዓዝ ዝነበረት ኢያ።

እታ ሄሊኮፕተር ድማ 3 ወተሃደራት ፅዒና ትጓዓዝ ከምዝነበረት ገሊፁ።

ምኽኒያቱ ብዕሊ ክሳብ ሐዚ ብሰንኪ ዘይተፈለጠ ኣብ ኣየር ብምልታመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ብዙሓት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ።

እቲ ሓደጋ ስዒቡ እታ ኣውሮፕላን ፖቶማክ ኣብ ዝተብሃለ ቃላይ ብምእታዋ ህይወት ኣድሕን ጀልባታት ስራሕቲ መድሓን ህይወት የካይዳ ኣለዋ።

ብሰንኪ ምልታም እቲ ኣውሮፕላንን ሄሊኮፕተርን ክሳብ ሐዚ 19 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.