Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 905 ሺሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት  905 ሺሕን 333 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፥ ኣብታ ሃገር ቍፅሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 50 ሺሕ ኮይኑ ኣሎ።።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራሕ 3 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለፀ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ፥ ልዕሊ 905 ሺሕ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለው ተረጋጊፁ’ሎ።

ኣብዚ እዋን ኣሜሪካ ዜጋታታ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ዝለዓለ ሞት ዘጋጠሞም ሃገር ኮይና’ላ።

እንተኾነ ግን፡ መጠን ሞት ኣሜሪካ ምስ ድምር ውፅኢት ሃገራት ኤውሮፓ ክወዳደር እንከሎ ገና ትሑት እዩ ዘሎ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.