ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓን ኣፍሪካን ዝነብሩ ዳያስፖራታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓን ኣፍሪካን ዝነብሩ ዳያስፖራታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።
ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕሉ ዛዕባ ዘለዎም ተሳትፎን ውግንናን ንከጠናኽሩ ፃውዒት ቀሪቡሎም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ፥ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ መራሕቲ ትካላት ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ኣድቮኬሲን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብምድሃብ ብኢንተርኔት ተዛቲዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ንሰላም ዘለዎ ቅዋም ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ዳያስፖራ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዝነዝሖ ስኑዕ ሓበሬታን ወራርን ኣብ ምቅላዕ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕቲ ብዝምልከት ገምጋም ከምዝተገበረ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።