ኣብ ኢኮኖሚ፣ ግድብ ህዳሰን ሓምለዋይ ኣሰርን ዝተረኸቡ ዓወታት ኢትዮጵያ ጉዕዞ ብራኸ ከምዝቐፀለት ዘርእይ ኢዩ- መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢኮኖሚ፣ ግድብ ህዳሰን ሓምለዋይ ኣሰርሕ ዝተረኸቡ ዓወታት ኢትዮጵያ ጉዕዞ ብራኸ ከምዝቐፀለት ዘርእይ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ሚኒስትር እቲ ኣገልግሎት ለገሰ ቱሉ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ብዛዕባ ዝነበረ ኣፈፃፅማ ኢኮኖሚ፣ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ወፍሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰርን ብዝምልከት ኣብሪሆም።
ኣብ መብሪሂኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪካ ርእያቶ ዘይትፈለጥ ካብ ሰደድ ወፃኢ 10 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ምርካባ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ምርካብ እቶት ዓውዲ ገብርና ቐዳማይ በፅሒት ከምዘለዎ ድማ ገሊፆም።
ኣብቲ በጀን ዓመት መንግስቲ 336 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝኣከበ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስሳን ፍሪያት ሕርሻ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላጽ፥ ነዚ እውን ትግራይ ሓዊሱ ንኹለን ክልላት እታዎት ከመዝቐረበለን ተዛሪቦም።
ኣብዝሓ ግራውቲ ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ፍሪያት ስርናይ በዕፅፊ ንምውሳኽ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።