Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢንዶኔዥያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 41 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢንዶኔዥያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 41 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኤጀንሲ ሓደጋ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብታ ሃገር ንሰዓታት ዝዘለቐ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ እንትኸውን፤ ኣብ ደሴት ሱማትራ ኣብ ዝርከባ ክልተ ወረዳታት ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ ተባሂሉ፡፡

ገዛውቲ ከምዘዕለቕለቐ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ በቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ 41 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን 17 ሰባት ድማ ኣበይ ከምዝኾነ ምፍላይጥ ከምዘይተኽኣለ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ኣባይቲምን ካብ ዘብፀሖ ጉድኣት ብተወሳኺ 16 ድልድድላት 20 ሄክታር ዝራእቲ ሩዝ ከምዘዕነወ ተገሊፁ።

ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ዝጠፍኡ ሰባት እናተኣላለሹን ግዳያት እቲ ሓደጋ ካብቲ ከባቢ ናይ ምውፃእን ስራሕ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ምሕባሩ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.