ኣብ ኢትዮጵያ ጥዑይን ጥንኩርን ኢኮኖሚ ምህናፅ ቀዳማይ ተግባር ሓዱሽ መንግስቲ ክኸውን ኢዩ – ዶ/ር ነመራ ገበየሁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ጥዑይን ጥንኩርን ኢኮኖሚ ምህናፅ ቀዳማይ ተግባር ሓዱሽ መንግስቲ ከምዝኸውን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ነመራ ገበየሁ ኣፍሊጡ።
ዶክተር ነመራ፥ 24 መስከረም ዝጣየሽ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓማውቲ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ለውጢታት ኣመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ጥኝኩርን ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርምታት ሓንፂፁ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ዝተሓሰበ ጥንኩር ኢኮኖሚ ዘቀላጥፉን ስራሕ ንዝሰኣኑ መናእሰይ ብዙሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ህንፀት ዝተፈላለዩ ሜጋ ፕሮጀክታት ከምዝተጀመሩ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ቀፃሊ እቶም ፕሮጀክታት ካብ ምዝዛም ጎድና ጎድኒ ሕብረተሰብ ብዘሳተፈ መልክዑ ንዕቤት ኢኮኖሚ ማሕለኻ ዝኾነ ናህሪ ዕዳጋ ንምፍታሕ ከምዝስራሕን ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ግቡእ ትኹረት ከምዝወሃብን ምግላፆም ትፕኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።