Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርናዮ ፃንሒት ዘሕጉስን እታ ሃገር እውን ኣብ ቅልጡፍ ለውጢ ትርከብ ምዃና ዝተገንዘብናሉ ኢዩ – ነበር ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ናይጄሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርናዮ ፃንሒት ዘሕጉስን እታ ሃገር እውን ኣብ ቅልጡፍ ለውጢ ትርከብ ምዃና ዝተገንዘብናሉ ኢዩ ክብሉ ነበር ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ናይጄሪያ ገሊፆም።

ነበር ኮኸብ ተፃዋቲ ኩዕሾ እግሪ ናይጄሪያ ንዋንኩ ካኑ ሓዊሱ ነበር ዓበይቲ ተፃወትቲ ኣፍሪካ ኣብ ፌስቲቫል ሸነን ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ፡፡

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ካብቲ ፌስቲቫል ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም፡፡

ሎሚ ንጉሆ ኣብ ወዳጅነት ፓርክ ብምርካብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምሕዝነታዊ ፀወታ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ተኸላ ፈልሲ ብምትክያድ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡

ንዋንኩ ካኑ ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ውቁብን ዘድንቕን ባህሊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾት ተዛሪቡ፡፡

“ኣብ ኢትዮጵያ ፃንሒትና ዝተገበረልና ኣቀባብላን ክንክንን ኣብ ገዘና ዘለና ዝኣክል ክስመዐና ገይሩ ኢዩ” ዝበለ እቲ ኮኸብ ተፃዋቲ÷ ኣብ ቀፃ እውን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ከምዝመፅእ ዘለዎ እምነት ገሊፁ፡፡

ኣብ ፃንሒቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንኢትዮጵያ ዘለዎም ራኢ መሰረት ብምግባር እናሰርሑዎም ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተዓዘቡ ኣልዒሉ፡፡

ካሊእ ነበር ተፃዋታይ ክፍሊ ምክልኻል ሃገራዊት ጋንታ ናይጄሪያ ታሪቦ ዌስት÷ ኣብ ፃንሒቶም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተዓዘቡ ገሊፁ፡፡

“ኢትዮጵያውያን ብኽብሪን ብፍቕሪን ተቐቢሎምና” ዝበለ ድማ ኮኸብ ዳንኤል ኣሙካቺ ኢዩ፡፡

ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝገበሩዎ ምሕዝነታዊ ፀወታ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ምስታፎም ፍሉይ ስምዒት ከምዝፈጠረሉ ምግላፁ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.