ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንክልል ትግራይ ዘግለለ ክኸውን ኣይኽአልን-መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ዘተ ተሳሊጡ ዝበሃል ኹሉ ኢትዮጵያዊ እንትሳተፍ ኢዩ ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር) ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ካብ ኣርባዕቲአን ዩንቨርስታት ትግራይ ምስ ዝመፅኡ ኣባላት ማሕበረሰብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘቲዩ።
መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር)፥ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ዘተ ተሳሊጡ ዝበሃል ኹሉ ኢትዮጵያዊ እንትሳተፍ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንክልል ትግራይ ዘግለለ ክኸውን ኣይኽአልን ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ክልል ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዝሳተፈሉ ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ ሓሳባት ህዝቢ እቲ ክልል ኢዩ ዝበልዎም ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ እቲ ኮሚሽን ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስቲን ዘሎ ርክብ ንክጥንክር ከም ድልድል ብምዃን ብምግልጋል ግድኡ ንክዋፃእ ሓቲቶም።
መንግስቲ፥ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ጠመተ ሂቡ ንክፈትሕ እቲ ኮሚሽን ፅዕንቶ ምግባር ከምዘለዎ አወን ኣፅንኦት ሂቦም።
ኣብ ትግራይ ዘተ ንምክያድ ፈለማ ምትእምማን ምፍጣር የድሊ ክብሉ እቶም ተሳተፍቲ ገሊፆም።
ነዚ ድማ ህዝቢ ዝስምዖ ግልፂ ብምግባር ዝዛረበሉ መድረኽ ክዳለወሉ ይግባእ ኢሎም።