Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአዩ ፀገማት ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ምቁራፅ ክሲ እሱራት ኣድሊዩ ኢዩ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአዩ ፀገማት ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ምቁራፅ ክሲ እሱራት ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር እቲ ኣገልግሎት ዶክተር ለገሰ ቱሉ፥ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ሳምንታዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ መንግስቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ዜጋታት ክሲ ከቋርፅ ዝኸኣለ፤ ፀገማት ካብ መሰረቶም ብምፍታሕ ንዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ርኡይ ታራ ዘለዎ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ኢዩ ኢሎም።

ምቁራፅ እቲ ክሲ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ንምፍታሕን ዋሕስ ዘለዎ ስርዓት ዴሞክራሲ ብምህናፅ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ንምቕፃል ካብ ምሕሳብ ዝፈልፈለ መሰረታዊ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ትሕቲ እኒ ጃዋር መሓመድን እስክንድር ነጋን ዝነበሩ ክሲታት ምቁራፆም፥ ኣብትሕቲኦም ብዙሓት ሰባት ዘለዉዎም ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ንኣካታታይነት እቲ ብሄራዊ ምኽክረ ዓቢዩ ግደ ከምዘለዎ ብምግንዛብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ መራሒ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዶክተር ደብረፂዮን ዘለዉ ከይዲታት ክሲ ምቁራፅ እውን ምስ ጥዕናን ዕድመን ተተሓሒዙ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢተዮጵያውያን ክሶም ዝተቛረፀሎም ዜጋታት ብዝምልከት ህዝቢን መንግስቲን ብምግጫው ንባዕሎም ሓቢኦም ዘበኣእሱ ኣካላት የኣኽለኩም ብምባል ንዘላቒ ረብሓ ዘብዒ ምዃን ከምዝግባእ ምግንዛቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.