Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምምካት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝስለፉ ነበርቲ ከተማ ድሬዳዋ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ዘንፀላለዋ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ከምዝስለፉ ነበርቲ ከተማ ድሬዳዋ ገሊፆም።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ንምድሓን ክንዲ ዘድሊ ርሕቐት ክንጓዓዝ ኢና፤ ዘድሊ መስዋትነት ክንከፍል ኢና ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ እግሪ ጉዕዞ ተኻይዱ።

መበገሲኡ ካብ ቢሮ ፋይናንስ ብምግባር መወዳእትኡ ኣደባባይ ለገሃር ዝተገበረ ጉዕዞ፥ ነበርቲ ኢትዮጵያ ንምድሓን ክሳብ ህይወት መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣይተ ኣሕመድ መሓመድ ቡህ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ጁንታ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ናብ ሲኦል እውን እንተኾነ ክጓዓዝ ኢየ ይበል እምበር ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላውዘይህርሱ ደቃ ኣለዉዋ ኢሎም።

መላእ ነበርቲ እቲ ምምሕዳር ብሓድነት ንኢትዮጵያ ጠጠው ኣብ ዝበሉሉ እቲ መድረኽ፥ ህይወቱ ዘይሰሰዐ ብኽብሪ እናተዋደቐ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ደም ለጊሶም።

ብምንያህል መለሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.