ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ይግባእ – ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝግባእ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ገሊፆም።
ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ህንፀት ሃር መሰረታዊ ጉዳያት ዘድሀበ መድረሕ ስልጠናን መጀመሪ ጎስጓስን ይካየድ ኣሎ።
ብሚኒስቴር ሰላም ዝተሰናደአ እቲ መድረኽ ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ከምኡአ ውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልላት ተረኺቦም።
ዕላማ እቲ መድረኽ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ናይ ኩሉ ተሳትፎ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልላት ናይ ምትሕበባር ርክብ ብምጉልባት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ሰላም ሕጊ መውፃእቲ ኣካላት ሕጊታት ናይ ምውፃእን ኣፈፃፅመኦም ናይ ምክትታልን ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣልዒሎም።
“ዘላቒ ሰላም ሃገርን ከይዲ ህንፀት ልምዓትን ናይ ኩሉ ምትሕብባርን ተሳትፎን ዝሓትት ብምዃኑ፤ በዚ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓን ምትሕብባር ህዝቢን ተሓዊሱዎ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብሓባር ደው ንበል ክብሉ ምሕታቶም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com